ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ-ኮምፓስ: ማእከላይ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ ንናይ ኮርሳት ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ዝምልከት ናይ መጀመርያ ኣንፈት ምሓዝ
እታ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ-ኮምፓስ Deutschkurs-Kompass ንናይ ደገፍ ምሃብን፣ ምዝዋርን፣ ክረጋግጽ ምግባርን ነቲ መሓውራት ናይ ቋንቋ ናይ መጀመርያ ኣንፈት ምሓዝ ብናይ ኮማዊ ደረጃ ንዑቕባ ደለይቲ ኣብ Schleswig-Holstein ዝምልከታ እያ። ኣብዚ ክኣ ነቶም ናይቶም ዕላማ ጉጂለታት ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ ወፈያታት EOK.SHን ኣባላት.SHን፣ ከምኡውን ኮማውያን ናይ ኮርስ ወፈያታትን፣ ነቶም ዑቕባ ሓተትን፣ እቶም ሓደ ንውሕ ዝበለ ናይ ምጽባይ ግዜን ወይድማ ፈጺሞም ወለሓድ ምእታው ናብ ናይ ምውህሃድ ኮርስ ዘይብሎምን: ተጸዋርነ ዝተገበረሎም፣ ዝተፈቐደሎም፣ ሰባት ካብ ውሕስነት ዘለወን ዝመጽወን ሃገራት ዝኾኑን ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ-ኮምፓስ ኣብዚ እውን ኮሙናዊ ነቲ ምውህሃድ ናይ ኮርስ ኣድላይነትን፣ ናይ ኮርስ ወፈያን ይድግፍን፣ ከምኡድማ ነቲ ናይ ምህናጽን፣ ምስፍሕፋሕን፣ ከምኡውን ነቲ ምምሕያሽን ናይ ሓቤረታታት-፣ መጥቀስን- መርበባዊ መሓውራትን ኣዋሃሃዲ ኮይኑ ኣብ ጐድኒ ጠጠው ዝብል እዩ።
ሕቶን፣ ምምኻርን- ናይ ሓገዝ ምርካብ ኣድላይነትን ከምኡድማ ነቲ ብሙሉኡ ናይ ጀርመን ኮርስ ወፈያታት ዘበለ ኣብ ዘድለየሉ፣ እታ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ እያ ንተሰከምትን፣ ንተስዲዶም ንዝመጹ ናይ ምምኻር ክፍልን፣ ንዑቕበኛታት መሰነይትን፣ ብገዛእ ድልየቶም ዝውፈዩን፣ ሰራሕተኛታት ካብ ቤት ጽሕፈታትን፣ ኮማታትን፣ መንግስታዊ ምምሕዳራትን ከምኡውን ንኹሎም ትካላትን ተዋሳእትን፣ እቶም ምስቲ ምስናይ ምግባርን ሓገዝ ምሃብን ናይ ዑቕባ ሓተቲ ኣብ ቦትኦምን፣ ከምኡድማ ምስቲ ምርኻብ ምግባር ናይ ተመሃርቲን ከምኡውን ግዱሳት ንዝኾኑ ኣብቲ ናይ ምምሃር ወፈይታት ከም ዘዛራርብኹም ብጾት ኮይኖ ሒዘሞ ዘለዉ።
እቲ ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ-ኮምፓስ ዝውንኖን ዝኾነ ንናይ ቋንቋ ጀርመን ኮርስ ረኻቢ (www.deutschkurs-sh.de) ብናይ ካርታ ምርኣይ ምግባር ሓደ ብቀጥታ ሓፈሻዊ ምርኣይ ነቶም ዝኸዱ ዘለዉን ከምኡውን ኣብ መደብ ዝርከቡ ናይ ወፈያታት ከጠዓዕመልኩም እዩ ዝገብር። ተኽእሎ ኣለኦውን፣ ንሓደ ዝሰማመዓካ ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ፣ ወይ ከም ብኣካል ኰንካን- ወይድማ ብኦንላን ገርካ ወፈያታትን፣ ብቀጥታ ሓደ ምምልካት ንኽትገብር፣ ወይድማ ኣብ ናይ ወፈያታት ዝጐደለሉን፣ ሓደ ናይ ብደላይነት ምዝገባ ንኽትገበርን። እቶም ብእኡ ምኽንያት ዝተፈጠሩ ናይ ተጠማትነት ናይ ኣድላይነታት እታ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ ትጥቀመሎምያ፣ ምእንቲ ነቲ ናይ ወፈያ ቅርጻ ንኽትዝውሮ ክትገብርን ከምኡውን ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ምእታው ኣብ ናይ ጀርመን ቋንቋ ወፈያታት ንኩሎም ተገደስቲ ንኽተጣዓዕመሎም ብምባል።
እቲ መደብ ናይ ጀርመን ቋንቋ ኮርስ- ኮምፓስ በታ ሚኒስትሪ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ክፍለ ሃገራት መዳያትን፣ ምውህህሃድ ምግባርን Ministerium für Inneres, ländliche Räume, Integration ከምኡድማ ምክፋል ምግባርን ትምውሎን፣ ከምኡውን ብናይ ክፍለ ሃገር ማሕበር Landesverband der Volkshochschulen in Schleswig-Holstein e.V. ኣብ መስርሕ ክውዕል ይግበር።
ሕቶዶ ኣለኩም እዩ?
ደገፍ ምሃብ የድልየኩምድዩ?
ንተወሰኽቲ ሓቤረታታት ብኽብረትኩም ባዕልኹም ናብ:
Berit Schlachta
DeutschkursfinderLandesverband der Volkshochschulen Schleswig-Holsteins e.V.
Koordinierungsstelle Deutschkurs-Kompass
ኢ-መይል: bs(at)vhs-sh.de
ተለፎን.: 0431 97984-105
ተንቀሳቓሲ: 0173 8406435
ንመጀመሪ ዝኸውን ጥርኑፍ ትሕዝቶ ዘለዎ ንስደተኛታት ኣብ Schleswig-Holstein
ኣብ መስርሕ ናይቲ ፕሮጀክት STAFF.SH – „Starterpaket für Flüchtlinge in Schleswig-Holstein“, ብናይ ክፍለ ሃገር ማሕበር ናይ Volkshochschulen Schleswig-Holsteins ክተሓባበሩ ዝተገበሩ፣ ኮርሳት ንናያ ቋንቋ ዝምልከት ናይ መጀመርያ ኣንፈት ምሓዝ ንናይ ዑቕባ ሓተቲ እዮም ክትግበሩ ዝግበሩ። ምእታው ናብቶም ኮርሳት ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን፣ ሓደ ተጻዋርነትን ከምኡድማ ሰባት ናይ ምጽባይ ግዜ ንናይ ምውህሃድ ኮርስ ዘለዎም እዮም። እቶም ኮርሳት ብናይ ክፍለ ሃገር Schleswig-Holsteins እዮም ዝሙወሉ፣ ካብዚ ዝተበገሰ ድማ ምክፋል ምግባር ነቶም ዝመሃሩ ካብ ምኽፋል ነጻ እዩ።
እቶም ኮርሳት ዘራኽቡ
- ኣፍልጦ ብዛዕባ መነባብሮ ኣገባብን፣ ኣካያኣዳ ኣገባብን ኣብዚ ሓድሽ ማሕበራውን፣ ሕብረተሰብኣውን ከምኡድማ ቅርጸመረታዊ ከባቢታት።
- ምፍላጥ ብዛዕባ ምምኻር ምርካባትን- ናይ ኣገልግሎት ወፈያን ኣብቲ ቦታኻ።
- ትምህርታውን ባህላውን መሰረታት ንናይ ምርኽኻባት ብቕዓት ኣብ ናይ ጀርመን ቋንቋ።
ሓደ STAFF-ኮርስ ዘጠቓልሎ
- ሓደ መሰረታዊ ኮርስ:
3 ሞደላት በብ 100 ናይ ትምህርቲ ሓድነታት ዘለውን ኣገዳድነት ዘለዎ A1-/A2-/DTZ-መርመረ
4 ሞደላት በብ 100 ናይ ትምህርቲ ሓድነታት ንናይ ፊደላት ምምሃር ኮርሳት፣ መርመራ ክግበር ዘይከኣል - ሓደ ንሃነጻ ኮርስ:
3 ሞደላት በብ 100 ናይ ትምህርቲ ሓድነታት ዘለውን ኣገዳድነት ዘለዎ A1-/A2-/DTZ-መርመረ
ናይ መጀመርያ ኣንፈትካ ምርኣይ ኮርሳት ኣብ Schleswig-Holstein
ኣብ መስርሕ ናይቲ ፕሮጀክት EOK.SH – Erstorientierungskurse in Schleswig-Holstein, ብናይ ክፍለ ሃገር ማሕበር ናይ Volkshochschulen Schleswig-Holsteins ክተሓባበሩ ዝተገበሩ፣ ኮርሳት ንናያ ቋንቋ ዝምልከት ናይ መጀመርያ ኣንፈት ምሓዝ ንናይ ዑቕባ ሓተቲ እዮም ክትግበሩ ዝግበሩ። ምእታው ናብቶም ኮርሳት ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን፣ ከምኡድማ ሰባት ናይ ምጽባይ ግዜ ንናይ ምውህሃድ ኮርስ ዘለዎም እዮም። ወላሓንቲ መእተዊ ዘይብሎም ሰባት ካብ ናይ ጸገም ዘይብለን ሃገራት ዝመጹ ዝኾኑን፣ ሰባት፣ እቶም ብመስርሕ ናይ ስድራቤተካ ክስዕቡኻ ናብ ጀርመን ዝመጹ ዝኾኑ ከምኡውን ሰባት ተጻዋርነት ዘለዎም (ፍልይ ዝበለ ግን: ኣብ ተጻዋርነት ብመሰረት ዓንቀጽ §60a ምዕራፍ 2 ኣርእስቲ 3 እቲ ናይ ምክፋል ምግባር መሰል ምህላይ ክህሉ ይኽእል እዩ) ።
እቶም ኮርሳት ዘራኽቡ
- ተዛመድቲ ኣርእስትታት፣ ከም ክብረትን ልማድን ናይ ሓቢርካ ምንባርን፣ ስራሕ ኣብ ጀርመንን፣ ሕክምናዊ ኣለያ ምሃብን፣ ትምህርትን ከምኡውን መዋዕሎ ሕጻናትን ወዘተ…
- ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣነባራ መንገዲን፣ ስነ ምግባርን ኣብቲ ናይ ጀርመን ሕብረተሰብ፣ ምስ ናይ ነፍስወከፍ ዝምልከቶ መዝገበ ቃላትን ከምኡድማ ናይ ቋንቋ ሓረጋትን።
- ምፍላጥ ብዛዕባ ምምኻር ምርካባትን- ናይ ኣገልግሎት ወፈያን ኣብቲ ቦታኻ።
ሓደ EOK (ናይ መጀመርያ ኣንፈትካ ምርኣይ ኮርሳት) ዘጠቓልሎ
- 300 ናይ ትምህርቲ ሓድነታት ምስ ሹዱሽተ ናይ ምምራጽ ተገዳድነት ሞደላት ነፍሰወከፍ 50 ናይ ትምህርቲ ሓድነታት
- A1-/A2-/DTZ-መርመራ
ኣብ መጨረሻ ኣብ ናይ ሓደ EOK ሓደ STAFF ናይ ሃነጻ ኮርስ ክትካፈል ይከኣል እዩ።